Boende (Tigrinja)

shutterstock_376319617

Östra Göinge Kommun presents a film for you who are about to or who already rents an apartment.

ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቕባ ዚውሃብ መንበሪ ኣባይቲ

ኣብ ግዜ ዑቕባ ዝህልወኩም ኲነታት መንበሪ ገዛ፡ ፍቓድ መንበሪ ምስረኸበኩም ንዝህልወኩም ኲነታት መንበሪ ገዛ ዚውስን እዩ። ንሓተትቲ ዑቕባ ዝውሃብ ፋይናንሳዊ ደገፍ፡ በቲ ዘለዎም ዓይነት መንበሪ ገዛ ዚጽሎ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ኣብቲ እተመዝገብክሙሉ ንዝርከብ ኣሃዱ መቐበሊ ኣጋይሽ Migrationsverket (ወኪል ስደተኛታት ስዊድን) ተወከሱ።

መንበሪ ኣባይቲ Migrationsverket

Migrationsverket፡ ንጉዳያት ዑቕባ ይሰምዕ። ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቕባ መንበሪ ገዛ ዘድልየኩም ሓተትቲ ዑቕባ እንተዄንኩም፡ Migrationsverket ክህበኩም ይኽእል እዩ። Migrationsverket፡ ክሳዕት’ቲ ዘድልየኩም ግዜ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ ክህበኩም እዩ። እትውከስሉ ኣድራሻ እንተዘይብልኩም፡ Migrationsverket ንዓኹም ክረኽበኩም ስለዘይክእል፡ ካብ ስርዓተ-መቐበሊ ኣጋይሽ ከምእትወጹ ኺግበር እዩ፣ መንበሪ ገዛ ናይ ምርካብ መሰልኩም ድማ ከብቅዕ እዩ።

እትቕመጥሉ ቦታ ክትመርጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ናጻ መንበሪ ገዛ ናብ ዘለዎ ቦታ ንኽትግዕዙ እተዳለኹም ኽትኮኑ ይግብኣኩም። ሕጽረት ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ውሳኔ ዑቕባ እናተጸበኹም ከለኹም ናብ ሓድሽ መንበሪ ገዛ ንኽትግዕዙ ኽትግደዱ ትኽእሉ ኢኹም። ዓይነት መንበሪ ገዛ፡ ካብ ዓቢ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ክሳዕ ንርእስኻ ባዕልኻ እትኣልየሉ ቦታ ዝፈላለ እዩ።

ናይ ገዛእ ርእስኹም መንበሪ ገዛ

ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቕባ፡ ናይ ገዛእ ርእስኹም መንበሪ ገዛ ንኽትረኽቡ እንተደሊኹም፡ ንወጻኢታት’ቲ ገዛ ንኽትከፍሉ ሓላፍነት ኣለኩም። ኣብቲ ባዕልኹም ዝረኸብክሙዎ ናይ ገዛእ ርእስኹም መንበሪ ገዛ ብዝኾነ ምኽንያት ኽትቕጽሉ ምስዘይትኽእሉ፡ ኣብቲ ናጻ ቦታ ዘለዎ ማእከላት Migrationsverket ኽትግዕዙ ትኽእሉ ኢኹም።

ብMigrationsverket እተዋህበ መንበሪ ገዛ ወይ ባዕልኹም ዝረኸብክሙዎ ናይ ገዛእ ርእስኹም ምረጹ ብዘየገድስ፡ Migrationsverket ንዓኹም ንኽውከሰልኩም ብኣካል እትርከቡ ኽትኮኑ ኣለኩም። ውጽኢት ዑቕባ ኣብ እትጽበይሉ እዋን ናብ ሓድሽ ኣድራሻ ምስእትግዕዙ፡ ንኣሃዱ መቐበሊ ኣጋይሽ ኽትሕብሩ ከምዘለኩም ዘክሩ።

ፍቓድ መንበሪ ኣብ እተዋህበኩም እዋን ዝህልወኩም መንበሪ ገዛ

ፍቓድ መንበሪ ዝረኸበ ስደተኛ ወይ ጸግዒ ዘድልዮ ካልእ ሰብ እንተዄንኩም፡ ብመሰረት ገለ ሕግታት ኣዋጅ ወጻእተኛታት (utlänningslagen (2005:716))፡ ንስኹምን ኣዝማድኩምን ብ Bosättningslagen (ነቶም ንኽቕመጡ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝመጹ ገለ ስደተኛታት ንምቕባል ስጉምቲ ዚወስድ) ሸፈነ ትረኽቡ ኢኹም። እቲ ኣዋጅ፡ ነቶም ኣብ ማእከላት መንበሪ ኣባይትን ኮታ ዝረኸቡ ስደተኛታትን ዚምልከት (ዚሽፍን) እዩ። እዚ ኣዋጅ’ዚ፡ ኲለን ምምሕዳራት ከተማታት ስዊድን፡ ነቶም ንኽቕመጡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹ ሰባት ንምቕባል ሓላፍነት ኣለወን ማለት እዩ። ዕላማ Bosättningslagen፡ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹ ሰባት ኣብ ሕብረተሰብ ንኽንጸንበሩ ንዘሎ ዕድላት ንምምሕያሽ እዩ።

ምምሕዳራት ከተማ፡ እተፈላለየ ኲነታት ኣለወን

ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ እትቕበሎ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹ ሰባት፡ ኣብ ግዝፊ’ታ ከተማ፣ ኲነታት ዕዳጋ ሽቕለት፣ ጠቕላላ ብዝሒ’ቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹ ሰባት ከምኡውን ብዝሒ’ቶም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝቕመጡ ዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ ዚሙርኮስ እዩ። መደብ መንግስቲ፡ ምምሕዳራት ከተማ ብተዛማዲ ጽቡቕ ዕዳጋ ሽቕለት፡ ብዝሒ ህዝቢ፡ ውሑድ መጠን ምቕባል ሰባትን ብተዛማዲ ድማ ውሑዳት ሓተትቲ ዑቕባ፡ ነቶም ኣብ ቀረባ እውን ዝመጹ ሰባት ብብዝሒ ንምቕባልን እዩ።

Migrationsverket ከምኡውን ቦርድታት ምምሕዳር ዞባ ምስ ምምሕዳራት ከተማ ብሓባር፡ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹ ሰባት ከምዝጣየሱ ንኽገብሩ ሓላፍነት ይወስዱ። Migrationsverket፡ ካብ 1 ጥሪ 2017 ጀሚሩ፡ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹ ሰባት ናብ ምምሕዳራት ከተማ ናይ ምምዳብ ኲሉ ሓላፍነት ይወስድ።

ሓደ ዕድል መንበሪ-ቦታ ጥራይ ትውሃቡ

ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ ተመዲብኩም ማለት እታ ዝምልከታ ምምሕዳር ከተማ፡ ንዓኹምን ነቶም ኣብቲ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ምሳኹም ዝቕመጡ ዘለዉ ኣባላት ስድራን ዚኸውን መነበሪ ገዛ ንኽትህበኩም ሓላፍነት ኣለዋ። እቲ ዚውሃብ መንበሪ ገዛ፡ ኣብ ስዊድን ብእትርከብ ዝኾነት ምምሕዳር ከተማ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ካብቲ ሕጂ ዘለኽሙዋ ምምሕዳር ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝኾነት ካልእ ምምሕዳር ከተማ ክውሃበኩም ይኽእል ማለት እዩ። እዚ ድማ እቲ እትውሃብዎ መንበሪ ገዛ ኣበይ ኪኸውን ከምዘለዎ ክትመርጹ ኣይትኽእሉን ማለት እዩ። ነቲ ዝውሃበኩም ዕድል መንበሪ ገዛ ኽትቕበልዎ ወይ ክትነጽግዎ ትኽእሉ ኢኹም። ሓንቲ ዕድል ጥራይ ክውሃበኩም እዩ። ንኽትነጽግዎ እንተመሪጽኩም፡ ንኻልኦት ሓተትቲ ዑቕባ ቦታ ንኽትሓድጉ ድማ ካብቲ እትቕመጥሉ ዘለኽሙዎ መንበሪ ባኣይቲ Migrationsverket ክትወጹ ይግብኣኩም፣ ጉዳይ ምጥያስ ዚብሃል ድማ ብፍጹም ኣይክህልወኩምን እዩ።

ናይ ገዛእ ርእስኹም መንበሪ ገዛ

ኣብ ግዜ ዑቕባ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኹም መንበሪ ገዛ እትቕመጡ እንተነይርኩም፡ ፍቓድ መንበሪ ኣብ እተቐበልክሙሉ እዋን ብBosättningslagen ሸፈነ ኣይክውሃበኩምን እዩ፣ ስለዚ ድማ ናብ ዝኾነት ምምሕዳር ከተማ ክትምደቡ ኣይክትክእሉን ኢኹም። ብምኽንያት ስራሕ ፍቓድ መንበሪ እተዋህበኩም እንተኾይኑ፡ ናይ ገዛእ ርእስኹም መንበሪ ገዛ ክትረኽቡ ይግብኣኩም እዩ። ፍቓድ መንበሪ ኣብ እተቐበልክሙሉ እዋን፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ Migrationsverket ኽትቕመጡ እንተጸኒሕኩም፡ ብBosättningslagen ሸፈነ ክግበረልኩምእኳ እንተኾነ፡ ናይ ገዛእ ርእስኩም መንበሪ ገዛ ንኽትረኽቡ ዕድል ኣለኩም።

ውሑስ መንበሪ ገዛ ንኽውሃበኩም፡ ኣብ ውልቃውያን ይኹና ኣብ ምምሕዳር ከተማ ንዝርከባ ኩባንያታት መንበሪ ኣባይቲ ከም ኣመልካቲ ኽትምዝገቡ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ሓንቲ ኩባንያ መንበሪ ኣባይቲ ንላዕሊ ብምምዝጋብኩም፡ መንበሪ ገዛ ናይ ምርካብ ዕድልኩም ተበርኽዎ ኢኹም። ከም ኣመልካቲ መጠን፡ ኣብቲ ሰብ ዘይብሉ ናጻ ገዛ ግዳሴ ኸተርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሪጋ ኣመልከትቲ ዝጸናሕክሙዎ ብዝሒ መዓልታት፡ ገዛ ክትረኽቡ እንተዄንኩምን እንተዘይኴንኩምን ዚውስን እዩ። እቲ ኣብ ሪጋ ብምጽባይ ብዙሕ ነጥቢ ዝረኸበ ሰብ፡ እቲ ገዛ ከምዝውሃቦ ኽግበር እዩ። 1 መዓልቲ ሪጋ = 1 ነጥቢ ሪጋ። ኩባንያታት መንበሪ ኣባይቲ፡ እተፈላለየ መምርሒታት ክህልወን ይኽእል እዩ።

ፍቓድ መንበርን መንበሪ-ገዛን ምስዝህልወኒ እንታይ ይስዕብ?

ምጥያስ

Arbetsförmedlingen (ወኪል ህዝባዊ ሽቕለት ስዊድን)፡ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝመጸኹም መጠንን እተን ኣብ ስዊድን እተመዝገብክሙለን ናይ ፈለማ ክልተ ዓመታትን ድማ ናይ ምውህሃድ ሓላፍነት ኣለዎ። ናቱ ዕማም ድማ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ስዊድን ንኽትኣትዉ ንምድላው እዩ። ውልቃዊ ውጥን ምጥያስ፡ ርእስኹም እትኽእልሉ መገዲ ብጽቡቕ ንኽትጅምሩ ዝገብረኩም እተፈላለየ ንጥፈታት ንምክያድ ኪሕንጽጽ እዩ።

  • ቛንቋ ስዊድን፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ኣገዳሲ እዩ፣ ክፍሊት ትምህርቲ ቛንቋ ስዊድን (SFI) ድማ ኣብቲ ውጥን ምጥያስ ከምዚጠቓልል ኮይኑ ኣሎ።
  • ብእትዛረብዎ ቛንቋ ኣደ እትገብርዎ ማሕበራዊ ምትሕንፋጽ
  • ንዕዳጋ ሽቕለት ንኸዳልወልኩም ዝግበር ካልእ ጻዕርታት

ኣብ እተወጠነ ንጥፈታት ንጡፋት ተሳተፍቲ ምስእትኾኑ፡ ሓገዝ ምጥያስ ኽትቕበሉ ኢኹም።

ብዛዕባ ፕሮግራም ምጥያስን እቲ ካብ Arbetsförmedlingen ኽትቕበልዎ እትኽእሉ ደገፍን ዚምልከት ኣብ መርበብ-ሓበሬታኡ ብዝያዳ ኣንብቡ።

ኣብ Östra Göinge ብዛዕባ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ንInflyttningsenheten (ኣሃዱ ምግዕዓዝ) ተወከሱ

ናብ ስዊድን ኣብ ቀረባ ግዜ ዝመጻእኩም እንተኾይኑ ከተማልእዎ ዘለኩም ዝርዝር ነገራት

– ካብ Skatteverket (ወኪል ግብሪ ስዊድን) ወረቐት መንነት ንኽውሃበኩም ኣመልክቱ

– ኣብቲ ዘለኽሙዎ ትኽክለኛ ኣድራሻ ተመዝገቡ። እቲ እተመዝግብዎ ኣድራሻ፡ ግብሪ ንኣየነይቲ ምምሕዳር ትኸፍሉ፣ ጶስጣ ናበይ ኣድራሻ ይስደድ፣ መጓዓዝያ ቤት ትምህርቲ ካበይ ከምእትብገስ ከምኡውን ዓቐን ዝውሃበኩም ኣበላት ይውስን። ነቲ እትቕመጥሉ ትኽክለኛ ኣድራሻ ከተምዝግብዎ ዝድልየሉ ምኽንያታት ብዙሕ እዩ።

– ኣብቲ ዘሎ ሪጋ ሓያለ መንበሪ ኣባይቲ ትምዝገቡ።

– ሕሳብ ባንኪ ትኸፍቱ። ነፍስወከፍ ዓቢ (ልዕሊ 18 ዓመት)፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳብ ባንኪ ክኸፍት ኣገዳሲ እዩ።

– እቲ ዝኽፈለኩም ገንዘብ ብቐጥታ ናብ ሕሳብኩም ኪመሓላለፍ መታን ኪኽእል፡ ንሕሳብ ባንክኹም ኣብ Försäkringskassan (ወኪል ማሕበራዊ መድሕን ስዊድን) ከምዚምዝገብ ግበሩ።

– ውጥን ምጥያስ ከተዳልዉ ኣብ Arbetsförmedlingen ተመዝገቡ፣ ንሓገዝ ምጥያስን ተወሳኺ ደገፍ ምጥያስን ንኽትረኽቡ ኣመልክቱ። Arbetsförmedlingen፡ ኣብ ማሕበራዊ ውህደትን ቛንቋ ስዊድን ንስደተኛታትን (SFI) ከምእትምዝገቡ ኺገብር እዩ።

– ቆልዑ ኣብ ቅድመ-ትምህርትን ስሩዕ ቤት ትምህርትን ኣመዝግቡ።

– እንተደሊኹም ድማ ንእትቕመጥሉ ገዛ ዚኸውን ኣቑሑ-ገዛን ኣገዳሲ መሳርሒታትን ንምዕዳግ ለቓሕ ንኽትወስዱ ከተመልክቱ ትኽእሉ፥ እዚ ለቓሕ ድማ ለቓሕ መሳርሒ ገዛ CSN ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዚርከብ ሰራሕተኛ ተኸታታሊ ጉዳያት ድማ መመልከቲ ኣብ ምቕራብ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

– ኣብ ንጥፈታት መዘናግዕን ክበባትን ቛንቋ ኣብ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ንጥፈታት ተሳተፉ። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ንኣሃዱ ምግዕዓዝ ወይ ኣሃዱ ባህልን ምዝንጋዕን ምምሕዳር ከተማ ተወከሱ።

ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረኽብሉ እትኽእሉ መርበባት-ሓበሬታ

– ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ፣ ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቕባ ብዛዕባ ዚውሃብ መንበሪ ኣባይትን ገንዘብን ዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ንመርበብ-ሓበሬታ Migrationsverket www.migrationsverket.se ብኽብረትኩም ከፊትኩም ርኣዩ።

– ሕግታትን መምርሒታትን ምጥያስ www.riksdagen.se

– ፕሮግራም ምጥያስ www.arbetsformedlingen.se

– ወረቐት መንነትን ምዝገባን www.skatteverket.se

– Försäkringskassan www.forsakringskassan.se

– ለቓሕ መሳርሒ ገዛ CSN www.csn.se

– ናብ ስዊድን ኣብ ቀረባ ግዜ ዝመጻእኩም እንተዄንኩምን ንደቅኹም ኣብ ቅድመ-ትምህርትን ስሩዕ ቤት ትምህርትን እትምዝገብሉ ኣገባብን ንገዛኹም እትከታተልሉ ኣገባብን www.ostragoinge.se

 

ኩባንያታት መንበሪ ኣባይቲ፥

Göingehem፡ ኣብ Östra Göinge ዚርከብ ኩባንያ መንበሪ ኣባይቲ ምምሕዳር ከተማ www.goingehem.se

ABK፡ ኣብ Kristianstad ዚርከብ ኩባንያ መንበሪ ኣባይቲ ምምሕዳር ከተማ www.abk.se

Hässlehem፡ ኣብ Hässleholm ዚርከብ ኩባንያ መንበሪ ኣባይቲ ምምሕዳር ከተማ www.hasslehem.se

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ Östra Göinge ብዛዕባ ዝርከቡ ናይ ውልቂ ወነንቲ መንበሪ ኣባይቲ ዚምልከት ሓበሬታ ዚሓዘ እዩ www.ostragoinge.se


Hittade du inte vad du sökte?